Tigrinska -ቤት ትምህርቲ ሽወደን ከም’ዚ ይመስል

ወላድኩም 1 ዓመት ዕድመ ምስ መልአ፡

ናብ ቅድመ ትምህርቲ (መዋእለ ህጻናት) ክኸይድ ይኽእል። ቅድመ ትምህርቲ ወለንታዊ እዩ። ካብታ ዉላድኩም 3 ዓመት ዝመለኣለ ወቕቲ ኣየት ኣትሒዙ ናብ ህዝባዊ ቅድመ ትምህርቲ ናይ ምኻድ መሰል ኣለዎ። ህዝባዊ ቅድመ ትምህርቲ፡ 15 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ኮይኑ፡ ካብ ክፍሊት ነጻ ድማ እዩ።

ተመሃራይ 6 ዓመት ምስ መልአ ኣብ ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ (ጀማሪ) ይጅምር። ድሕሪ ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ፡ ተመሃራይ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ተመሳሳሊ ቤት ትምህርቲ ይጅምር። ን6 ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድመኦም ተመሃሮ፡ ቤት ነጻ ግዜ (መጽንሒ)፡ ትምህርቲ ቅደሚ ምኽፋቱን ድሕሪ ምዕጻዉን፡ ከምኡ’ድማ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕረፍትታት ክፉት ኮይኑ፡ ንተመሃሮ ኣገደስቲ ንጥፋታት የካይድ። ዝኽፈሉ ክፍሊታት፡ ንእቶት ወለዲ መሰረት ዝገበረ እዩ።

 

ኣብ ሽወደን ግዴታ ትምህርቲ ኣለና፡ እዚ ማለት፡ ሓደ ተመሃራይ ካብ ቅድመ ትምህርቲ ጀሚሩ ክሳብ 9፡ይ ክፍሊ ናይ ምኻድ ግዴታ ከም ዘለዎ ሕጊ ሃገር እዩ። ተመሃራይ ምስ ዝሓምም፡ ንነፍሲ ወከፍ ዘብኮረሉ መዓልቲ፡ ብሰንኪ ሕማም ኣብ ቤት ከም ዘሎ ንቤት ትምህርቲ ክሕበር ኣለዎ። ተመሃራይ ብሰንኪ ሕማም ከም ዘብኮረ ክሕብር ዝኽእል፡ ሞግዚት (ወላዲ) ጥራሕ እዩ። ብኻልእ ዝግበሩ ሓበሬታታት ቅቡላት ኣይኮኑን።

ናይ ሽወደን ባህሊ ትምህርቲ፡ ካብ ዝጸንሐኩም ናይ ቤት ትምህርቲ ተመኮሮታት ፍልይ ዝበለ ክኸዉን ይኽእል እዩ። እዚ ማለት፡ ንወለዲ ኮነ ተመሃራይ ዝቐርቡ ካልኦት ግዴታታትን ትጽቢታትን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ተመሃራይ እንጽበዮም ነገራት፡

  • ኣብ ሰዓትካ ምምጻእ።
  • ዝተዋህበካ ዕዮ ገዛታት ኣብ ሰዓቱ ምርካብ።
  • ኣብ ልዕሊ ንብረት ቤት ትምህርቲ፡ መምህራንን መማህርትን ኣኽብሮት ምርኣይ። ኣብ ዝወሃቡ ሙህሮታት ንጡፍ ተሳታፊ ሙዃን። ንህትህቦ መልሲ ከመይ ከም ዝሓሰብካሉ ምግላጽ፡ ልክዕ ከምቲ ቅኑዕ መልሲ ምሃብ ኣገዳስነት ኣለዎ።
  • ኣብ ናይ ሓባር ዕዮታት፡ መጽናዕትታትን ምይይጥን ንጡፍ ተዋሳኢ ሙዃን። ኣብ ሓደ ዕላማ ንምብጻሕ ናይ ሓባር ስራሕ ምርኣይ።
  • ኣብ ተግባራዉያን ዓይነት ትምህርትታት፡ ንኣብነት፡ ኣብ ሙህሮ ዕዮ ቤት፡ ስእልን ሙዚቃን፡ ምስታፍ። እዞም ዓይነት ትምህርትታት ልክዕ ከምቶም ስነ-ሓሳባዉያን ትምህርትታት ኣገዳስቲ እዮም

ሞግዚት (ወላዲ) ምስ ቤት ትምህርቲ ርክባት ክህልዎ ትጽቢት ኣሎ። ኣብ መንጎ ቤትን ቤት ትምህርትን ጽቡቕ ምትሕብባር ንኹሎም ወገናት ጠቓሚ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንዓበይትን ነኣሽቱን ሕቶታት ምሳና ተራኸቡ። ብቐዳምነት ክትራኸብዎ ዘለኩም ድማ ናይ ተመሃራይ ኣለዪ መምህር (ክላስ ቲቸር) እዩ።

 

መሰረታዊ መትከላት ስራሕ

መሰረታዊ መትከልን ዕማምን ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ዲሞክራሲ መሰረት ዝገበረ ከምኡ’ዉን ኣብ ኣብ ኣመራርሓ መምህራንን ዝተሞርኮሰ እዩ።

ዝወሃብ ሙህሮ፡ ንሕበረተ ሰብ ሽወደን መበገሲ መትከል ዝኾነ ንምምሃርን፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዉያን መትከላት ዲሞክራሲን ኣኽብሮት ንኽህሉ ምንቃሕን ይኸዉን።

ናይ ኩሎም ደቂ ሰባት ማዕርነት፡ ማዕርነት ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ከምኡ’ዉን ሓልዮት ኣብ ነንሕድሕድ ደቂ ሰባትን፡ ቤት ትምህርቲ ከም መትከል ዝሰርሓሉን ዝሰብከሉን ኣምር እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃቡ ሙህሮታት፡ ካብ ጸጊዕ ሃይማኖት ነጻ ክኾኑ ኣለዎም።

ቤት ትምህርቲ፡ ንኣብ ዉዕላት ሕቡራት መንግስትታት ዘለዉ ዉዕላት ህጻናት ብዛዕባ መሰል ህጻናት፡ ንመትከላቶም ኣብ ግብሪ ከዉዕልን ብዛዕብኦም ከስተምህርን ኣለዎ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ሀምስታን (Hemmestaskolan) ቤት ትምህርቱ ቨርንዲ ኼርጎርድን (Värmdö skärgårdsskola) ኣብ ሓደ ክፋል ናይ መዓልቲ፡ ተመሃሮ በብዉሑድ ጉጅለ ክመሃርሉ ዝኽእሉ ክፍልታት ቅደመ ምድላዉ ኣለዎም። ኣብ ዝተረፉ ሰዓታት ግን ተመሃሮ ኣብቲ ዓበይቲ ክፍልታት እዮም ዝመሃሩ።

ኣወሃሃዲ

ኩሎም ናብ ሽወደን ሓደሽቲ ምጻኣት ተመሃሮን ወለድን፡ ምስ ዝኾነ ናይ ምምሕዳር ኣወሃሃዲ፡ ናይ ተመሃራይ ብቕዓት ቋንቋን ድሕረ ባይታ ትምህርትን ንምግምጋም ንዝርርብ ክትሳተፉ ኢኹም። ዉጽኢት ገምጋም፡ ንቤት ትምህርቲ ነቲ ተመሃራይ ኣብ ዝግብኦ ደረጃ ንምእታዉን ንተመሃራይ ብደረጃ ብቕዓቱን ዘድልዮ መንገድን ንምምሃሩ ሓጋዚ ይኸዉን።

ኣላዪ /መምህር ክፍሊ

ኣለዪ / መምህር ክፍሊ ናይ ተመሃራይ ኣገዳሲ ኣካል ንርክብ ኣብ መንጎ ትምህርትን ቤቱን እዩ። ኣለዪ / መምህር ክፍሊ፡ ናይ ተመሃራይ ዕብየት ሙህሮን ማሕበራዊ ዕብየትን ይከታተል። ኣለዪ / መምህር ክፍሊ ተመሃራይ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮ ምስ ዝኸዉንን ዘድልዮን ስጉምቲ ናይ ሙዉሳድ ሓላፍነት ኣለዎ።

ክፍሊ ምቅርራብን ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋን

ክፍልታት ምቅርራብ

ሓደ ኣብ ናይ ምቅርራብ ክፍሊ ዝኸይድ ተመሃራይ፡ ካብቲ ስሩዕ ዝተመደበሉ ክፍሊ ተወሳኺ፡ ብኸፊል ኣብ ክፍሊ ምቅርራብ ምስ ዉሑዳት ጉጅለ ተመሃሮ ይኸይድ እዩ። ዕላማ ናይ ክፍሊ ምቅርራብ (SBK)፡

ክፍልታት ምቅርራብ

ሓደ ኣብ ናይ ምቅርራብ ክፍሊ ዝኸይድ ተመሃራይ፡ ካብቲ ስሩዕ ዝተመደበሉ ክፍሊ ተወሳኺ፡ ብኸፊል ኣብ ክፍሊ ምቅርራብ ምስ ዉሑዳት ጉጅለ ተመሃሮ ይኸይድ እዩ። ዕላማ ናይ ክፍሊ ምቅርራብ (SBK)፡

ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ

ኣብ ሓደ ዓቢ ክፍሊ ንኽምሃር ዘኽእሎ እኹል ናይ ቋንቋ ብቕዓት ዘለዎ ተመሃራይ፡ ናይ ቋንቋ ብቕዓቱ ንምዕባይን ንሙዕሟቕን፡ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ንኽመሃር ዕድል ይወሃቦ። ዉጥን ኮርስ ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ልክዕ ከም ዓይነት ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ዝመዓራረ ኮይኑ፡ ኣገማግምኡ ግና ናይ ተመሃራይ ቋንቋ ኣደ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ዝኸዉን።

ኣብ መንጎ ቤትን ቤት ትምህርትን ዝግበር ርክብ

ኣብ ምምሕዳራት ዘለዋ ቤት ትምህርትታት፡ ምስ ተመሃራይን ሞግዚትን (ወለዲን) መርበብ ሓበሬታ ሰረት ዝገበረ መሳርሒ ብምጥቃም እዮም ርክብ እገብሩ፡ እዚ ድማ፡ ስኩል ሶፍት ዝበሃል መስርሒ መድረኽ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝበሃል። ኣብኡ ብምእታዉ፡ ብኩራት ብሰንኪ ሕማም ተመዝግቡ፡ ምስ ኣለዪን መምህር ክፍሊን ርክብ ትገብሩን ንናይ ዉላድኩም ደረጃ ዕብየት፡ ከም ንኣብነት ገምጋምን ነጥንብን ትከታተሉን።

ካብኡ ሓሊፉ’ዉን ኣላዪ / መምህር ክፍሊ፡ ቆጸራታት ዝርርብ ዕብየት ተመሃራይ መዓስ ከም ዝኸዉን የዉጽኦ’ሞ ኣብ ስኩል ሶፍት ብምእታዉ ድማ ንስኹም ቆጸራ ትሕዙ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝግበሩ ዝርርባት፡ ዉላድኩም ኣብ ቤት ትምህርቲ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ከመይ ከም ዘሎን፡ ከም ወለዲ ድማ፡ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኹም ሕቶኹም እተቕርቡሉ ዝርርብ እዩ ዝኸዉን።

ብተወሳኺ’ዉን ኣብ ስኩል ሶፍት ሓበሬታ ብዛዕባ ኣኼባታት ወለዲ ትረኽቡ። ከም’ዚ ዓይነት ኣኼባታት፡ ካብ ርእሰ መምህራን ንወለዲ ሓፈሻዊ ሓቤታ ዘመሓላልፈሉ መድረኽ እዩ።

ዝርዝራት መእተዊ ካብ ናይ ቤት ትምህርቲ መቐበሊ ኣጋይሽ (ኤክስፐዲሽን) ይወሃበኩም።

ድሕሪ ትምህርቲ ዝግበሩ ንጥፈታት

ድሕሪ ሰዓታት ትምህርቲ ዝግበሩ ንጥፈታት፡ ንዕብየት ቋንቋ ሓገዝቲ ኮይኖም፡ ግን ድማ ንማሕበራዊ ርክባትን ምጽንባር ኣብ ሕብረተሰብን ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ድሕሪ ሰዓታት ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ደቂ ክፍልኻ ምጽናሕ እወታዊ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ካብ ቅድመ ትምህርቲ ክሳብ 3፡ይ ክፍሊ ዝኸዱ ንኡሳን ተመሃሮ፡ ናይ ነጻ ግዜ መሕለፊ (ፍሪቲድስ) ቦታ ናይ ምርካብ ዕድል ይኽፈተሎም፡ ነቶም ዕብይ ዝበሉ ተመሃሮ፡ ማለት 4፡ይ 5፡ይን 6፡ይ ክፍሊን ዝኸዱ፡ ዕድል ናይ ተመሳሳሊ ክሉበን ዝበሃል ንጥፈታት ይወሃቦም።

ዓበይቲ ተመሃሮ ድማ፡ ኣብ ካልእ ከም ስፖርት ዝኣመሰለ ንጥፈታት፡ ንኣብነት፡ ልምምድ ኩዕኦ እግሪ ክሳተፉ ጽቡቕ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ዉን ምንቅስቓስ ንጥዕና ጽቡቕ ኮይኑ ካልኦት ብዙሓት ብልጫታትን’ዉን ኣለዎ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሀመስታ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ናይ ምንቅስቓስ ዘሎ ቶምተቡ’ዉን እንተኾነ ዝተፈላለየ ንጥፈታት የካይድ እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ቤት ትምህርቲ ዘካይዶ ንጥፈታት ኣይኮነን።

ዕረፍቲታት

ተመሃሮ፡ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕረፍቲ እዮም ዘዕርፉ። ኣብ ካልኦት ግዜታት ዕረፍቲ ምስ ዘድሊ ግና፡ ናብ ኣላዪ ወይ መምህር ክፍሊ መመልከቲ ከተቕርብ ኣለካ። መመልከቲ፡ ናብ ኣላዪ ብጽሑፍ ክቐርብ ኣለዎ።

ቤት ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣብ ዝኾነሉ ወቕቲ፡ ፍሪቲድስ ንነኣሽቱ ተመሃሮ ክፉት እዩ፡ እንተኾነ ግን ወለዲ ብእዋኑ መመልከቲ ከእትዉ ኣለዎም።

 

ጉጅለ ጥዕና ተመሃራይ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ምምሕዳር፡ ኣብ ምምሕዳር ቬርምዶ፡ ብነርሳት፡ ኣማኸርቲ፡ ክኢላ ስነ ልሳን፡ ፍሉይ ክኢላ ምምህርና፡ መራሕ መንገዲ ሙህሮን ሞያን ከምኡ’ዉን ምክትል ርእሰ መምህራን ዝቖመ ጉጅለ ጥዕና ተመሃራይ ኣለዉ። ሓኪም ቤት ትምህርቲን ክኢላ ስነ ልቦና ቤት ትምህርትን ንስራሕ ቅሩባት እዮም እንተኾነ ግን መበገሲ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ የብሎምን።

እዛ ጉጅለ፡ ከም ዕማም፡ ንናይ ተመሃራይ ዕብየትን ሙህሮን ንዝምልከት ከም መመላእታ መምህራን ንስነ ምምህርናዊ ብቕዓቶም ኮይኑ ይሰርሕ። እዛ ጉጅለ’ዚኣ፡ ምስ መምህራንን ካልኦት ዝተረፉ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ብምትሕብባር፡ ተመሃራይ እወታዊ ዝኾነ ኩነተ ሙህሮ ንምጥጣሕ ትሰርሕ።

ዝምልኡን ናባና ዝግደፉን ቅጥዕታት

ቅጥዒ - SOS (ህጹጽ ኩነታት) - ብዛዕባ ኣድራሻን ቁጽሪ ስልክን ተመሃራይን ወለድን ዝሓዘ ቅጥዒ። ኣብዚ ቅጥዒ’ዚ ንመድሃኒታት፡ ብቕዓት ክእለት ምሕንባስን ስእልን ዝምልከት ሕቶታት ትምልስ። እዚ ቅጥዒ’ዚ ንኣላዪ እዩ ዝወሃብ።

ፍሉይ መግቢ - ተመሃራይ ብምኽንያት ነድሪ (ኣለርጂ) ወይ ድማ ሃይማኖታዊ ምኽንያታት ፍልይ ዝበለ ምግብና ምስ ዘድልዮ። ቅጥዒ ንኣላዪ እዩ ዝወሃብ።

መሕለፊ ነጻ ግዜ፡ (ፍሪቲድስ / ክሉበን - ካብ ጀማሪ ክፍሊ ክሳብ 1፡ይ - 6፡ይ ዝመሃሩ ተመሃሮ፡ ቦታ ናይ ቤት መሕለፊ ነጻ ግዜ (ፍሪቲድስሄም) ከምኡ’ዉን ንጥፈታት ክሉበን ንምርካብ መመልከቲ ከቕርቡ ኣለዎም። ቅጥዒ ንኣላዪ እዩ ዝወሃብ።

ኮምፑዩተር - ካብ 4፡ይ ክፍሊ ንላዕሊ ዝመሃር ተመሃራይ፡ ከም መሳርሒ ሙህሮ ኮምፑዩተር ክልቃሕ ይኽእል። ኣብቲ ናይ ልቓሕ ወቕቲ እንታይ ስርዓት ከም ዘሎ ደማ ወለዲን ተመሃራይን ብሓንሳብ ኮይኖም ብምንባብ ዉዕል ይፍርሙ። ሓላፍነት ዝስከሙ ድማ፡ ወለዲ እዮም። ቅጥዒ ንኣላዪ ይወሃብ።

ሙህሮ ቋንቋ ኣደ - ንብርክት ዝበሉ ቋንቋታት ዕድል ይወሃብን ንክትሳረፉ ድማ ብጽኑዕ ንመክር። መጽናዕትታት፡ ሙህሮ ቋንቋ ኣደ፡ ብንጹር፡ እወታዊን፡ ኣብ ዕበይት ሙህሮ ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርትን ዓይነት ትምህርትን እወታዊ ዉጽኢት ከም ዘምጽእ የረጋግጹ።

ሙህሮ፡ ብዉጥን ኮርስን ዉጥን ዓይነት ትምህርቲን ዝምራሕ ኮይኑ፡ ተመሃራይ ኣብ ዝተማህሮም ዓይነት ትምህርቲ ነጥቢ ንኸምጽእ እዩ ዘገልግል።

መመልከቲ ናብ፡

Farstavikens skola/modersmål Bergsgatan 13441 Gustavsberg ይለኣኽ።

ካርድ ናይ ኣዉቶቡስ - ወላዲ ባዕሉ እዩ ካርድ ናይ ኣዉቶቡስ ካብ ምምሕዳር ቬርምዶ ዘመልክት። ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዉሽጢ ራሕቂ ናይ 4 ኪሎ ሜተር ዝነብር ተመሃራይ፡ ከም ስሩዕ ኣሰራርሓ ካርድ ናይ ኣዉቶቡስ ኣይወሃቦን እዩ። ናይ ኣዉቶቡስ ካርድ ንኽትረክብ ምስ ዝፍቀደካ፡ ካብ ናይ ቤት ትምህርቲ መቐበሊ ኣጋይሽ (ኤክስፐዲሽን) ኢኻ ተምጽኣ።